ብርጌድ ንሓመዱ ዓባይ ብርጣንያ ኣብቲ ብዕለት 16/05/2026 ዘካየዶ ህዝባዊ ሰሚናር ብ-ኣዝዩ ጽፉፍ ኣገባብ ብዓወት ዛዚምዎ። ኣብቲ ሰሚናር መንእሰያት ኣዴታት ኣቦታት ከሙኡ ውን ዕደመ ዝተገበረሎም ኣካላት ተረኺብዕም ኔሮም።ብተወሳኺ ክፍሊ ፖሎቲካን ዲፕሎማስን ግ/ብርጌድ ንሓመዱ እውን ተሳትፎም ንህዝቢ መደረ ሂቦም።ካብ ህዝቢ ዝመጸ ሕቶታት ውን መሊሶም።
እቲ ሰሚናር ብ-ኣቦ ወንበር ብርጌድ ንሓመዱ ዓባይ ብርጣንያ ኣቶ ሳሚኤል ተስፋን ዋና-ጸሓፊ ማሓሪ ወልዱን እና ተመረሐ ናይ ህዝቢ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ተቐቢሉን መልሲ ሂቡን፡ብተወሳኺ መጻኢ መደባት ብ/ን/ዓ/ብርጣንያ ንህዝቢ ሕበሬታ ሂቡ።
መሪሕነት ባይቶ ጉባኤ ዝግበረሉ ግዜ ንወርሒ 10/2026 ከም ዝኸውን እውን ሓቢሩ።